ዕለት፥ 11/04/ 2020 ቁጥር፥ 01/2020
ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ The Eritrean Relief & Development Association (ERDA) ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣብ ኢትዮፕያ ተዓቑቦም ዝጸንሑን ብቐጻሊ ዝውሕዙ ዘለዉን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዓቕሙ ክተሓጋገዝ ዝጸንሐን ዘሎን ናይ ረዲኤት ሰብኣዊ ማሕበር እዩ።
እዚ ኸኣ ብሳላቲ እቲ ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝተፋላለየ ሃገራት ዝነብር ህዝብና ምስቲ ኩሉ ተሸኪምዎ ዘሎ ማሕበራዊ ጸገማት ሕብረተሰብና፡ ኣብ ዝኸፍኤ መናባብሮ ንዝነብሩ ስደተኛታት ኣሕዋቱ ክተሓጋገዝ ብዝገብሮ ረዲኤታዊ ደገፋት ብማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ኣቢሉ ናብ ተረዳእቲ ወገናት ሓገዛቱ ክበጽሕ ከም ዝጸንሔን ዘሎን ዝፍለጥ።
ናይ ህዝብና ስቅያት ብቁጠባዊ ጸገማት ጥራይ ዘይኮነስ ብማሕበራዊ ጸገማት ሕክምና፥ ትምሕርቲ ውን ከምቲ ዝድለ ክረክብ ከምዝይ ጸንሐ ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ብዕምቆት ክግንዘቦ ዝጸንሐ እዩ።
ማረምኤ ነዚ ሽግራት እዚ ንምቅላል ምስ ጉዱሳት ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ሓካይም ስታር ፎር ስታር ዝባሃሉ ( STAR FOR A STAR) ካብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ በብግዚኡ እንዳመጹ ክገብርዎ ዝጸንሑ ናይ ሕክምና ረዲኤታዊ ደገፋት ብጣዕሚ ዝምጎስ እዩ።
ሕጂ ውን እዚ ዓመት እዚ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2020 ልዕሊ 20 ዝኾኑ ሓካይምን ነርስን ዝሓዘ ቲም ክመጽእ ተዳልዩ እንከሎ እዚ ናይ ኮሮና ቫየርስ ለበዳ ምኽሳቱ ንግዚኡ ኣሳናኺልዎ ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።
ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ሽግራት ስዱድ ህዝብና ንምቅላል ኣብ ሕክምናዊ መዳይ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ትምህርቲ ውን ንዝተጸገሙ ወገናት ህጻናት፡ መንእሰያት ኣብ ክንንን ቅኒቶን ኣብያተ ትምህርቲ ብምህናጽ ክማሃሩ ክገብር ጸኒሑ እዩ። ጽሩይ ማይ ናይ ምርካብ ሽግራት ንምቅላል፡ውን ብዝተገብሩ ደገፋት ናይ ህዝብናን ግዱሳት ደቂ ዓድን ፈተውቲ ህዝብናን እዘን ክለተ ዓድታት እዚኣተን ጹሩይ ማይ ክሰትያ ተገይሩ እዩ።
ሕጂ ካኣ ፈውሲ ዘይተራኽቦ ሓደገኛ ተላባዒ ቀዛፊ ሕማም ኮሮና ቫየርስ ኮቪድ19 ንመላእ ዓለም ለኺፉ ብዙሕ ሰብ ዝቐዝፍን ከቢድ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላ ዘስዕብ ዘሎ ለበዳ፡ ኣብ ሃገርና ይኹን ኣብ ስደት ከርተት ዝብል ዘሎ ህዝብና ከውርዶ ዝኽእል ሓደጋ ካብ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን።
እዚ ኣብ ግናዛበ ብምእታው ካኣ እዩ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ህዝብና በብሸንኹ ተበጉሶታት እንዳወሰደን እንዳ ተጠራነፈን ውዳቤታቱ ኣጣናኺሩ ህዝብና ካብዚ ለበዳ እዚ ክድሕን ኩሉ ዝከኣሎ ጻዕርታት ዝገብር ዘሎ።
ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና ኣብ ዝተፋላለየ መደበራት ስደተኛታት ተዓቚቦም ንዝርከቡ ክፍልታት ሕብረተሰብና ንምሕጋዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት ሞጎሱ እንዳገለጸ ሓገዛቱ ግልጽነትን ተሓታትነትን ብዘለዎ ኣገባብ ኣብቲ ተጠቃሚ ናይዚ ረዲኤታዊ ሓገዛት እዚ ክኸውን ዘለዎ ስደትኛ ህዝብና ክበጽሕ ከም ዘለዎ ይኣምንን።ስለዚ ክኣ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ህዝብና ነዚ ኣብ መደበራት ስደተኛታት እትዮጵያ ዝነብር ዘሎ ስዱድ ሕብረተሰብና ካብዚ ቀዛፊ ሕማም እዚ ንምክልኻል ዝግበር ደገፋት ብንዋት ይኹን ብገንዘብ ቀልጢፉ ዝበጽሓሉ መንገዲ ክርኢ ማረምኤ ህጹጽ ጸዋዒቱ የቕርብ።
ስራሕ ኣካያዲ ቦርድ
ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ (ማረምኤ) 11/04/ 2020
መራኸቢ ኣድራሻ ኣብ Germany www.relief-eritrea.org
ERDA e.V. Germany
BANK: Sparkasse Karlsruhe Ettlingen
IBAN: DE08 6605 0101 0108 1032 27
SWIFT-BIC: KARSDE66XXX
ERDA United States of America
BANK: BANK OF AMERICA
Acc. No. 138126271630 ROUTING# 125000024
ERDA SWEEDEN
BANK: PLUS GIRO KONTO SE83 9500 0099 6026O 1148287
ERDA
BANK: COMMERCIAL BANK ETHIOPIA
Acc. No. 1000050777794
KASANCHIS BRANCH
ተወሳኺ መወከሲ ምስ ዝድለ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ተወከሱ፥
Email This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. tel. 00251947516465 whatsup or direct
Kahsay ehdego