ሓድሽ  ፕሮጀክት ማረምኤ 2019 (ERDA)!!!

ናብ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ኣባላትን ፈተውትን ደገፍትን ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ብሓበራ ።

 ክቡራትን ክቡራንን ኣሓትን ኣሕዋትን ብመጀመርታን ቅድሚ ኩሉን ኣኣብ ዘለኹሞ ናይ ስደት መናባብሮ ጥዕናኹም ተሓልዩ ብሰላም ክትህልዉ ካብ መላእ ስደተኛታት ኣሓትኩምን ኣሕዋትኩምን ኤርትራውያን ክቡር ልባዊ ሰላምታን ምስጋናን ብመንገዲ ማሕበርኩም ማሕበር ህዝቢ ዝኾነት!! ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ፡ ማረምኤ (ERDA) ከነማሓላልፈልኩም ንፈቱ።

ማሕበርና ንፈለማ እዋን ሓገዛት ንምሃብ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን ዝተፈጸመ መደብ። ንቤት ሕክምና ዝኸውን፡ ካብ ገበርቲ ሰናይ ዝተኣኻኸበ ዓራውትን ፍርናሻትን ናብ መዓስከር ስደተይኛታት ምልእከ ኣብ ህተካየድ መደብ ኣባላት ማረምኤ ኣብ ስራሕ ተጸሚዶም እንከለዉ።

ንስደተይናታት ኤርትራውያን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ማለት ኣብ ማይ ዓይኒ፡ ዓዲ ሓርሽ፡ ሽመልባን ሕንጻጽን ዝርከቡ ንሓፈሻዊ ናይ ጥዕና ኵነታት ኣድላዪ ዝዀኑ ነገራት ኣከፋፊልና። በብዓይነቱ ከም ንንጽህና ዘድልዩ ነገራት፡ ንቆልዑትን ኣንስትን ሰብኡትን ዝኸውን ጫማታትን ክዳውንትን ስረታትን፡ ናይ ዓራት ናውትን፡ ጥራውዝትን፡ ንናይ ምንቅስቓስ ጽጉማን ዝኸውን ኣባትርን ምርኩሳትን ወ.ዘ.ተ. . . ተዓዲሉ።

መድለዪ Search Suche بحث

ኣብ መርበብ መን ኣሎ Who's Online Wer ist online المتواجدون حاليا

We have 61 guests and no members online