ብወርሒ ጥቅምቲ 2015፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ (ሕሃኣ) ዝነብሩ ኣባላት ናይ መሓዛ ማሕበርና ስታር 4 ስታር (S4AS)ን ማረምኤን  ብሕባር 4 ናይ ስኒ ክኢላታትን 8 ኣለይቲ ሕሙማን (ሲስተራትን) 4 ተሓጋገዝቲ ነቶም ኣብ መዓስከራት ስድተይናታት ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ናይ ስኒ ሕክምናዊ ሓገዛት ዘድልዮም ሰባት ሕክምናዊ ምትሕብባራት ኣካይዶም።

ብቐዳምነት ንዅላቶም እቶም ሰባትን ትካላትን ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳ ከምኡ’ውን ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ፡ ንናይ 2015 ተልእኾና ዕዉት ንክኸውን ዘይድሩት ተኻፋልነት  ዝሃቡና ፡ ብዘለዎም ተመኩሮታት ዝረድኡናን ኣገዳሲ ሓገዝ ዘበርከቱልናን፡ ካብ ልቢ ነመስግን። 

ብፍላይ ከኣ ንኣህዛብን መንግስትን ኢትዮጵያ፡ ንመገሻ ናይ’ቲ ጉጅለ ሓኻይም ናብ’ቶም ኣብ ሰሜን ክፍሊ ትግራይ፡ ኣብ ኣዝዩ ጽጉም ኵነታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ነበርቲ መዓስከራት ስድተይናታት ማይ ዓይኒ፡ ዓዲ ሕሩሽ፡ ሽመልባን፡ ሕንጻጽን ብቐሊል ከም ዝገሹ ዝገበሩልና ልባዊ ምስጋናና ነብጽሕ።

ማይ ዓይኒ ከም ቀንዲ ቦታ መሳርሒ ክትከውን ተወሲዳ፡

እቲ ጉጅለ ሕኻይም ኣብ መዕሰከር ስደተይናታት ማይ ዓይኒ ነዚ ዝስዕብ ክተካይድ ጸንሐት።

1. ትራይነጅ   2. ስክሪኒንግ   3. ምክንኻን   4. ትምህርቲ

እቲ ናይ 5 መዓልታት መደብ፡ ከም’ቲ ምስ ኣራ  ARRA ዝተገብረ ስምምዕ ብዕለት 26 ጥቅምቲ ኣብ ማይ ዓይኒ ተጀመረ። እቶም ሰባት ካብ’ቲ ኣርባዕተ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሪሽን ፈፍርቂ መዓልታት፡ ሓሓደ መዓልቲ ድማ ንሽመልባን ሕንጻጽን።

ኣባላት’ቲ ጉጅለ ዕማሞም ብግዜ ንክፍጸም ድማ ኣብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ ክሳብ 13ን 14ን ሰዓታት ንመዓልቲ ኣብ ግዜ ምሳሕ’ውን ኣብ ክልተ ጉጅለታት ተኸፋፊሎም ይሰርሑ ነበሩ። እታ ጉጅለ ‘ሀ’ እንከላ ጉጅለ ‘ለ’ እቲ ስራሕ ትቕጽሎ።

ኣባላት ናይቲ ጉጅለ፦

ዶር. ኣስተር ገብረሚካኤል ሓካፊት ናይ ስታር 4 አ ስታር (S4AS)

ዶር. ቸይስ ለ. ኣንደርሶን

ዶር. ኢርስ ኮሪና አምሲ ኒኮል

ዶር. ሰናይት ገብረወልድ

ኣቶ ሚኪኤለ መንዶዝ፡ ኣወሃሃዲ

ወይዘሮ ሚርያም የማነ፡ መዝጋቢት

ወይዘሮ ሂይወት ገብረሚካኤል፡ ወሃቢት ትምህርቲ

ኣቶ ብርሃኑ ሰላሴ፡ ጸረብከላ (ስተሪላይዘሽን)

ኣቶ ብእምነት ክግለዝጊ፡ ጸረብከላ (ስተሪላይዘሽን)

ከምኡ’ውን ካብ ነበርቲ መዓስከል ዝዀኑ ኣስማቶ ኪግለጽ ዘይፈቐዱ ተሓጋገዝቲ

ኣብ መፈጸምታ ናይቲ ፕሮጀችት ኵሉቲ ስታር ፎር ስታር ዝተጠቕመሉ 9429 ዶላር ኣሜሪካ ዝዋግኡ ምሳርሒታት ብምሉኡ ንማረምኤ ህያብ ብምሃቦም ምስጋናና ይብጽሓዮም።

ኣብ መወዳእታ መዓልቲ እውን ዅላቶም ናብ’ቲ ቖልዑት ቂኒቶን ክኒንን ንክመሃሩሉ ዝተፈቕደሎም ኣብ ዶብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ማዕበል ንክበጽሑ ከዱ።  

ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ማዕለ 1800 ዝኸውን ናይ ስኒ መሕጸብን ከምኡ’ውን ከምኡውን ትምርታዊ ምኽርን ሂቦም።

በዚ ኣጋጣሚ ከዓ ንኵላቶም ሰራሕተይናታት ናይ ኵላተን ትካላት በቲ ዝሃቡና በብዓይነቱ ደገፋት መደባትና ኪዕወት ከም ዝኸኣለ ክንዝክር ንፈቱ። ን ARRA ብሓፈሻ ድማ ንሰምየናዊ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ምስጋናና ነቕርብ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ፕሮጀችት ኵሉቲ ስታር ፎር ስታር ዝተጠቕመሉ 9429 ዶላር ኣሜሪካ ዝዋግኡ ምሳርሒታት ብምሉኡ ንማረምኤ ህያብ ብምሃቦም ምስጋናና ይብጽሓዮም።