ንስደተይናታት ኤርትራውያን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ማለት ኣብ ማይ ዓይኒ፡ ዓዲ ሓርሽ፡ ሽመልባን ሕንጻጽን ዝርከቡ ንሓፈሻዊ ናይ ጥዕና ኵነታት ኣድላዪ ዝዀኑ ነገራት ኣከፋፊልና። በብዓይነቱ ከም ንንጽህና ዘድልዩ ነገራት፡ ንቆልዑትን ኣንስትን ሰብኡትን ዝኸውን ጫማታትን ክዳውንትን ስረታትን፡ ናይ ዓራት ናውትን፡ ጥራውዝትን፡ ንናይ ምንቅስቓስ ጽጉማን ዝኸውን ኣባትርን ምርኩሳትን ወ.ዘ.ተ. . . ተዓዲሉ።